“ክርስቶስ፡ ትንሣኤ ሥጋና ምእንቲ ከረድኣና ተንሥአ”

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ መቓብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ገይሩ መቃብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ሙስና መቓብር ኣጥፊኡ ተንሥአ። እዚ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ መቓብር ፈሪሱን በስቢሱን ከምዘይተርፍን ኣብ መወዳእታ መዓልቲ እውን ከም ዝትንሥእ ዘረድእ እዩ። “ ካብ ሞት ተንሢኡ ናይ ዝሞቱ ኵሉ’ውን በዅሪ ስለዝኾነ ናይ ትንሣኤኦም ጀማሪ እዩ” ሮሜ 8፡29-34 ከምኡ’ውን “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታን ተፈልዩ ከም ዝተንሥአ ንኣና’ውን ብሓድሽ ትንሣኤ ከም ዘተንሥኣና ንፈልጥ ኢና” 2ይ ቆሮ. 4፡14 ከምዝብል ጐይታና በዅሪ ትንሣኤ ገይሮም ኵሎም ካብ ኣዳም ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩን ዝፍለዩን ደቂ ሰባት ኵሎም ብነፍስን ብሥጋን ሓድሽ ሕይወት ለቢሶም ኪትንሥኡ እዮም። “ክርስቶስ ናይ ሥጋና ምትንሣእ ምእንቲ ከረድኣና ተንሥአ” ከምዝብል። (መቅድመ ወንጌል)።

Read More  

ጽንሰታ ለማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድመ ዓለም ኣብ ሕሊና አምላኽ ዝነበረት ከም ምዃና ገና ከይተወልደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባዔ ተቘጺሩላ ዝነበረን ምስ ተወልደት’ ውን ኣደ አምላኽ ከም ዝኾነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝመስከሩላ እዮም። ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሳይያስ ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወጽእ በትር እምሥርወ ዕሴይ ወየዓርግ ጽጌ እምጕንዱ/ ካብ ጕንዲ እሴይ በትሪ ክትወጽእ ካብቲ ጕንዲ በትሪ ዕንባባ ጠጢዑ ክወጽእ እዩ” ተባሂሉ ተነጊሩ ነይሩ (ኢሳ. 11:1) ። ኣብዚ ቃል’ዚ በትሪ ዝተባህለት ወይ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትኸውን ከላ ዕንባባ ወይ ጠጥዐ ዝተባህለ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት’ዩ።

Read More  
  • 1720 Gus Thomasson Rd, Dallas, TX, USA